ግደ ጉማየ ኣብ ምግላፅ መንነት መዋቕራውን ኣገልግሎታዊ ለውጥን ኣብ ወጀራትን ራያን

Authors

  • Haile Gezae Addis Ababa University

Abstract

ፅሟቕ ሓሳብ: -እዚ መፅናዕቲ ኣብ ከባቢ ወጀራትን ራያን ብዘመናዊ ፅንሰ ሓሳባት መንነት ብምጥቃም ጉዕዞ ጉማየን ኣብ ከይዲ ዝተኸሰቱ መዋቕራውን ኣገልግሎታውን ለውጥታት ንምድህሳስ ይሙክር:፡ መንነት ዝፍጠረሎም መልዐሊ ምኽንያታት፣ ብመልክዕ ጉማየ ዝተንፀባረቑሎም መንገድታትን ከምኡ እውን ኣብ ከይዲ ታሪኽ ኣብ ልዕሊ ጉማየ ዝተኸሰቱ መዋቕራውን ተግባራዊ ግልጋሎታዊ ለውጥታትን ምርኣይ ድማ ቀንዲ ዕላምኡ እዩ። እዚ መፅናዕቲ ጉማየ ኣብ ምፍጣርን ምግላፅን መንነት ዝህልዎ ግደ ብምድህሳስ ሕዚ ዘለሉ ብርኪ ከመላኽት ይእምት። ጉማየ ኣብ ምግላፅ መንነት ዝጥቀመሎም ብዙሓት መንገድታት ከም ዘለውዎ እውን ተስተብሂልሉ ኣሎ። ትሕዝቶ እቲ ግጥሚ፣ ክዋንኡን ዜማኡን ኩሎም ሓቢሮም ኣብ ምግላፅን ምፍጣርን መንነት ትእምርታዊ ውክልና ብምውሳድ ቀንዲ መብሃሊ መንገዲታት ኮይኖም ንረኽቦም። እቲ መፅናዕቲ፣ ጉማየ ማሕበራዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ሃይማኖታዊ፣ ዓሌታዊ ዝብሃሉ መዋቕራትን መስርሓትን ብምድናቕ፣ ብምውቃስን ብምእራምን ኣብ ምቕራፅ ሕብረተሰባዊ መስተጋብር ናይ ባዕሉ ግደ  ከም ዝፃወት የርኢ። ብዝተትሓሓዘ ድማ ኣብ ከይዲ ታሪኽ፣ ጉማየ ብዙሓት መዋቕራውን ኣገልግሎታውን ለውጥታት ሓሊፉ ኣብዚ ሕዚ ዘለሉ ደረጃ ጥበባዊ ምዕባለ ይርከብ።

Downloads

Published

2024-03-15